Samen Leren voor ouders - Tigrinya

ሳመን ለረን ማለት እንታይ ማለት እዩ?
'ሳመን ለረን' ማለት 'ብሓባር ምምሃር' ማለት እዩ ብተወሳኺ ን ካብ ጉጅለ 1 ክሳብ ጉጅለ 4 ን ዘለዉ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ተምሃሮ ንወለዲ ገዛ ገዛ እናኸደ ሓገዛት ይገብር።

እንታይ ትፅቢት ይግበር።

  • ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ዝግበር ናይ ገዛ ገዛ ሓገዝ
  • ናይ ነፃ ተሳትፎ
  • ናይ ወለድን መምህራንን ኣኼባ
  • ናይ ዉልቀ ማህደር ምስ ሓበሬታታቱ

ሳመን ለረን ን ወለዲ ናይ ካብ ጉጅለ 1 ክሳብ ጉጅለ 4 ዘለዉ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ተምሃሮ ወይ ህፃዉንቲ እዩ

 ን ናይ ዉላዶም/ናይ ደቆም ን ዝኾነ ቤት-ትምህርቲ ን ዕቤቱ ሓገዝ ክገብሩ ን ዝደልዩ።
ን ኣብነት፥

  • ውሉደይ ኣብ ሕሳብ ክኢላ ኣይኰነን ከመይ ገይረ እየ ኽሕግዝ ዝኽእል?
  • ን ዉላደይ ኣብ ገዛ ፀወታ ከመይ ጌረ ከለማምዶ/ዳ?
  • ዉላደይ ናይ ምስትውዓል ፀገም ኣለዎ ንኽሕግዞ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
  • ን ናይ ዉላዳይ መዝገበ-ቃላት ክሪኦ ይደሊ እንተኾነ ግን ናይ ዴች ቋንቋ ብ ዝግባእ ኣይመልኽን። ስለዚ ኣብ ገዛ እታይ ክገብር ኣለኒ?

እቶም ናይ ሓገዝ ሰራሕተኛታት መን እዮም?
ብሉፃት ዝኾኑ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣለዉና። ብዛዕባ ዕቤት ህፃናትን ነዚ ኣመልኪቱ ጠቐምቲ ዝኾኑ ነገራት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘለዎም እዮም።
ኩሉ እንገብሮ ነገራት ካብ መሰረቱ ናይ ህፃናት ዕቤት ዝመፅእ ሰብ ሞያን ወለድን ብሓባር እንተሰሪሖም እዩ ኢልና ስለናኣምን እዩ።
 ኣመልክቱ
ሕጂ ኣብ  SamenLeren.net ኣመልክቱ።

Brede School Gouda