Sleutelpersonen voor ouders - Tigrinya

ን ወለዲ ዝተመደቡ ቁልፊ ሰራሕተኛታት

ምምሃር ኩሉ ግዜ ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ ከይዲ ኣይርከብን። ሓደ ሓደ ግዜ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምዝራብ ትኽእሉ ግን ኣብ ነንባዕልኹም ወይ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ባህሊ ኣይትፈልጡዎን። ብተወሳኺ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ትምህርቲ ሓዱሽ ክኾነኩም ይኽእል እዩ። ቤት-ትምህርቲ ብረደ ን ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ን ዘለዎም ቤተሰብን ሰብ ሞያን ኣብ መንጎኦም ፅቡቕ ምርድዳእ ንኽህሉ ናይ ትምህርታዊ ዝኾኑ ቁልፊ ሰራሕተኛታት ይጥቀም። ን ናይ እቶም ቤተሰብ ናይ ዝመፁሉ ዓዲ ቋንቋ ብዝግባእ ዝመልኽ ሓደ ካብ ቁልፊ ሰራሕተኛታት ኣቐዲሙ ምስ እቶም ቤተሰብ ይራኸብ። ብድሕሪ'ዚ ፡ብዛዕባ ዉላድኩም  እንታይ ከምዝደልን ብዛዕባ ካሎኦት ተወሰኽቲ ሕቶታት ንምዝርራብ ምስ እቲ ቤት-ትምህርቲ  ቆፆሮ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ዓሰርተ ሓደ ቀንዲ ሰራሕተኛታት ኣለዉና፤

 

  • ኣምበር ካብ ቻይና
  • ኣሕላምን ሱዓድን ካብ ንግስነት ሞሮኮ
  • ኣሚናን ጁማናን ካብ ሶርያ
  • ማርያን ኤሌናን ካብ ፖላንድ
  • ዮዲትን ሰላምን ካብ ኤርትራ
  • ናስራ ካብ ሶማልያ
  • ኤሌና ካብ ዩክሬን።

 

ሓገዝ ናይ'ቶም ቁልፊ ሰራሕተኛታት ክትጠልቡ እንተ'ዳኣ ደሊኹም፡ በጃኹም ነቲ ን ዉላድኩም ሓገዝ ዝገብር ዘሎ ባዓል ሞያ ሕተቱዎ ወይ ድማ ናብ፥ sleutelpersonenonderwijs@bsgouda.nl ኢ-ሜል ላኣኹ።
ነዚ ብ ናይ ባዕልኹም ቋንቋ ክትገብሩዎ ትኽእሉ ኢኹም።

Brede School Gouda