Sleutelpersonen voor ouders - Tigrinya

ን ወለዲ ዝተመደቡ ቁልፊ ሰራሕተኛታት

ምምሃር ኩሉ ግዜ ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ ከይዲ ኣይርከብን። ሓደ ሓደ ግዜ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምዝራብ ትኽእሉ ግን ኣብ ነንባዕልኹም ወይ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ባህሊ ኣይትፈልጡዎን። ብተወሳኺ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ትምህርቲ ሓዱሽ ክኾነኩም ይኽእል እዩ። ቤት-ትምህርቲ ብረደ ን ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ን ዘለዎም ቤተሰብን ሰብ ሞያን ኣብ መንጎኦም ፅቡቕ ምርድዳእ ንኽህሉ ናይ ትምህርታዊ ዝኾኑ ቁልፊ ሰራሕተኛታት ይጥቀም። ን ናይ እቶም ቤተሰብ ናይ ዝመፁሉ ዓዲ ቋንቋ ብዝግባእ ዝመልኽ ሓደ ካብ ቁልፊ ሰራሕተኛታት ኣቐዲሙ ምስ እቶም ቤተሰብ ይራኸብ። ብድሕሪ'ዚ ፡ብዛዕባ ዉላድኩም  እንታይ ከምዝደልን ብዛዕባ ካሎኦት ተወሰኽቲ ሕቶታት ንምዝርራብ ምስ እቲ ቤት-ትምህርቲ  ቆፆሮ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።

“ትሽዓተቁልፊ ሰራሕተኛታት ኣለዉና፥

  • ኣምበር ካብ ቻይና
  • ኣህላም ካብ መሮኮ
  • ኣሚናን ጆማናን ካብ ሶርያ
  • ማርያን ኢወሊናን ካብ ፖላንድ
  • ኢፍሬም ካብ ኤርትራ
  • ናስራ ካብ ሶማልያ
  •  

ሓገዝ ናይ'ቶም ቁልፊ ሰራሕተኛታት ክትጠልቡ እንተ'ዳኣ ደሊኹም፡ በጃኹም ነቲ ን ዉላድኩም ሓገዝ ዝገብር ዘሎ ባዓል ሞያ ሕተቱዎ ወይ ድማ ናብ፥ sleutelpersonenonderwijs@bsgouda.nl ኢ-ሜል ላኣኹ።
ነዚ ብ ናይ ባዕልኹም ቋንቋ ክትገብሩዎ ትኽእሉ ኢኹም።

Brede School Gouda